الكلمة الافتتاحية لقسم لغة التجرنيا (መኽፈቲ ቃል)
الكلمة الافتتاحية لقسم لغة التجرنيا (መኽፈቲ ቃል)
  | لغة التجرنيا لأهل ارتريا   | 1495

بســــــــــم الله الرحمـــــن الرحيـــــــــم

الكلمة الافتتاحية  

       إن الحمد لله نحمده ونستعينه  ونستغفره ، ونعوذ بالله من شرور أنفسنا ومن سيئات أعمالنا، من يهده الله فلا مضل له ومن يضلل فلا هادي له ، وأشهد أن لا إله إلا الله وحده لا شريك له وأشهد أن محمدًا عبده ورسوله .

(يا أيها الذين آمنوا اتقوا الله حق تقاته ولا تموتن إلا وأنتم مسلمون)

(يا أيها الناس اتقوا ربكم الذي خلقكم من نفس واحدة وخلق منها زوجها وبث منهما رجالا كثيرًا ونساءًا واتقوا الله اللذي تساءلون به والأرحام إن الله كان عليكم رقيبًا)

(يا أيها الذين آمنوا اتقوا الله وقولوا قولا سديدًا يصلح لكم أعمالكم ويغفر لكم ذنوبكم ومن يطع الله ورسوله فقد فاز فوزًا عظيمًا)

أما بعد:-

فإن أصدق الحديث كلام الله وخير الهدي هدي محمد صلى الله عليه وسلم وشر الأمور محدثاتها وكل محدثة بدعة وكل بدعة ضلالة وكل ضلالة في النار. أما بعد:- 

ካብ’ዚ ብምቕጻል ድማ ነቲ ለጋስን ኩሉ ምስጋና ዝግብኦን ኣላሁ ሱብሓነሁ ወተዓላ ነዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ (ራየት-ሰለፍ ኣብ ሱዳን) ኣምና ኣብ መኽፈቲ ዘብቐዓና ልዑል ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ከምኡ ድማ ዓቢ ተስፋ እገብር ካብ ረቢ እዚ መርበብ’ዚ (ራየት-ሰለፍ ኣብ ሱዳን) ከም ስሙ ኣርማን ምልክትን ናይ ሓቂ ፍልጠት (ዕልሚ) ከምኡ’ውን ኩሉ ረቢ ዝፈትዎ ጽቡቕ ነገራት ብኣካይዳ (መንሃጅ) ናይ ነብይና ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ከምኡ’ ውን ኣካይዳን ርድኢትን ናይቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ናይ ነቢይና ሙሓመድ ማለት ሰሓባ ረዲየላሁ ዓንሁም ክገብረልና። ረቢ ምስ ነብይናን ሰሓባን ይጸንብረና ዮውመል ቅያማ ኣሚን። ብሕጽር ዝበለ ናይ’ዚ መርበብ’ዚ ሓዚልዎ ዘሎ ትርጉም ድማ ከምዚ ይመስል። (ራያ) ማለት ኣርማ ማለት እዩ። (ሰለፍ) ድማ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ናይ ነብይና ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ስሓባ ማለት እዩ። ኩሉ ናቶም መንገዲ ተኸቲሉ ዝኸይድ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ድማ ሰለፊይብሃል። ኩሎም ሙስሊሚን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲን መንእሰያትን ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኤርትራን  ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ዝጥቀሙሉ መርበብ ክኸውን ንኣላህ እልምኖ። ብድሌትን ፍቓድን ናይ ኣላህ ድማ፣ ኣነን ደለይቲ ጽቡቕ ኣሕዋተይን ማለት ተማሃሮ ናይ እስልምና (ጠለበት-ኣልዒልም) ኣብ’ዚ መርበብ’ዚ ዝነጥፉን ብመንገዲ’ዚ  መርበብ ንእስላማዊ ሕብረተሰብና፣  ቀንዲ መሰረታዊ ናይ ዲኑ ፍልጠት ካብ ቃል ናይ ኣላህ ማለት ቁርኣንን ቃል ነቢይና ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ማለት ሱናን ብርድኢት ናይ ቀዳሞት ሰዓብቲ ናይ ነብይና ሰሓባ (ረዲየ ላሁ ዓንሁም)ክርድኦን ክወስዶን ከም ዘለዎ ብዘለና ዓቅሚ ክንጽዕር ኢና። እዚ ድማ ማንም ሰብ ክፈልጦ ስለ ዘይክእል እንታይ ድኣ ዑለማእ (ምሁራት) ሰለፊይን ማለት ብቁርኣንን ሱናን ብርድኢት ናይ ሰሓባ ቀጥ ኢሎም ዝኸዱን ንዘይፈልጥ ‘ውን እዚ መንገዲ (መንሃጅ)’ዚ ዝምህሩን ጥራይ ኢዮም ነዚ ሓላፍነት’ዚ ተሰኪሞም ናብ ሕብረተሰብ ናይ እስልምና ከሕልፍዎ ዝኽእሉ። ስለዚ ሓደ ካብቲ ናይ’ዚ መርበብ’ዚ ዕላማታት ድማ ንሕብረተሰብና ምስ’ዞም ዑለማእ ’ዚኦም ሸርዓዊ ዝኾነ ርክብ ከም ዝህልዎ ምግባር ኢዩ ኢንሻኣላህ ። ዘለዉ ረቢ ይሕፈዞም ዝሞቱ ድማ ረቢ ይርሓመሎም። ነዚ ኣርማ’ዚ ንምዕዋትን ከምቲ ዝግባእ ረቢ ዝፈትዎ ጌርና ከነገልግሎን ድማ ንኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ በቲ ብሉጽን ንጹሁን ኣስማቱ ልዑልን ሙሉእን መግለጺታቱን እልምኖ። ከምኡ ‘ውን ነቶም ነዚ ስራሕ’ዚ ዕውት ንኽኸውን ግቡኦም ዘበርከቱን ዝሳተፉን ዘለዉ ረቢ ጻምኦም ብጽቡቕ ክፈድዮም እልምኖ። እቲ ረሒም ሓሊም ዝኾነ ኣላህ ካብ’ቲ ብዙሑን ዘይውዳእን ልግሱን ሽሻዩን ክውስኸና እናሓተትኩ ናይ ልቢ ንጽህናን ትግሃትን ክህበና እና ተማሕጸንኩ ሓገዙ ወላ ውን ንኻልኢት  ትኹን ከይፍለየና  እልምኖ።

وأخر دعوانا أن الحمد لله رب العالمين

نزار بن هاشم العباس

خريج الجامعة الإسلامية بالمدينة النبوية

والمشرف على موقع راية السلف بالسودان

13/محرم/1434 هــ

اترك تعليقاً

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *